
እነሆ ናይ ዳዊት ኢሳቕ ዝጸንሐ ስቕታ ክስበር ጀሚሩ...


ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጹ ኤርትራውያን በጻሕቲ ኣብ ኤርትራ። ብ22 ሓምለ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ዝርከቡ ሰራዊት ኤርትራ ክበጽሕዎም መጺኦም ነይሮም...

ዋዕላ ብሄራት ኤርትራ ብብሄራዊ መልክዕ ውዳቤና ዋሕስ መሰላትናን ህላዌናን እዩ ብምባል ብሙሉእ ድምጺ ናይቲ ዋዕላ ከም ዘጽደቕዎ ብዕለት 28 ክሳብ 30 ሰነ 2010 ከም ዝተጋብእዎ ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ኣንጻር መንግስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እዚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብኣሽሓት ኣማኢት ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይ ፍርድን ክስን ሒዙ ዘሎ ዲክተተርነት እዩ ተኻይዱ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብጣቒዒትን ብጓይላን ድርብ ስቓይ ሃገርና ኾይነን ይርከባ!
ኤርትራ ብጓይላ ኢትዮጵያ ብምርጫ
ኣብ ሓዯ ሕብረተሰብ ብዘይካ ግዝኣተ-ሕግን ዯሞክራስን ምዕባሌ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብዘይካ ህላውየ ብዝሓ-ሰልፊን(multi-party system) ምርጫን ድማ ዯሞክራሲ ኣሎ ክበሃል ኣይክኣልን። ዯሞክራሲ ባሓዯ ለይቲ ዝፍጠር ኣይኮነን። ብናይ ነዊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝህነጽ መስርሕ ኢዩ።

ሕ.መ. ኣመሪካ፡ ንኣቶ የማነ ገብራኣብ ከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደቶ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ኣጠንቂቑ።

ስርዓት ህግደፍ መጋበርያ ንክኾኖ YPFDJ ብዝብል መጸውዒ ኣብ ወጻኢ ዝፈጠሮ ናይ መንእሰያት ውዳበ ከምዘይተዓወተሉ ምንጭታት ሓቢሮም።
